Saturday May 16, 2020
ዘተ ብዛዕባ ሰለስተ ሓጸርቲ ዛንታ ካብ "ካልእ ስለ ዘየሎ" ብኣብርሃም ተስፋልኡል ዘርአ | A discussion on three short stories from "Kalie Sile Zeyelo" by Abraham Tesfalul Zere
እዚ ዘተ ብቐንዱ ዘተኵረለን ስራሓት "ኣብ ዋዜማ ውግእ"፡ "ድሮ ተበገስ" ከምኡ'ውን "ድሕሪ ውግእ” ዝብላ ሓጸርቲ ዛንታት ኰይነን፡ ንርእሰ-ነገር ወይ ድማ ቴማ ኲናት ዝብል ክኸውን'ዩ።
The discussion focuses on the theme war in three short stories titled: "Ab Waziema Wigie", "Diro Tebeges", and "Dihri Wigie".
Version: 20240731
Comments (4)
To leave or reply to comments, please download free Podbean or
ኣብ ጽሑፋዊ ስራሓት ዘተኮረ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖድካስ ምስንዳእ ንዕብየት ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ ሓጋዚ እዩ። ኣብ ኩሉ እቲ መጽሓፍ ካብ ምዝራብ ድማ ኣብ ዛንታታት ኲናት ጥራይ ተወሲኑ ምቕራቡ ጽቡቕ ኢዩ ኣዕሚቝካ ንኽትዛረበሉ። ቀጽልዎ። ቅድሚ ሕጂ እታ "ብተመሳሳሊ ተመኩሮ ንዝሓለፉ መዛኖይ" ኢላ ወፈያኣ ዝገበረት መጽሓፍ ተረፍ ናይ ኣኸደር ኣሕመዲን እየ ከም ናይ ወለዶና መጽሓፍ ዝርእያ ነይረ። እቶም ካብ ኲናት ብረትን ካልእ ውሽጣዊ ኲናትን ዝተረፍና፡ እንታይ እዩ ተሪፍና እተርኢ እያ። እታ መጽሓፍ እውን ከምዚ ክትጠቕስዎ ዝጸናሕኩም ተረፍ ኲናት ኣብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ህይወትና ኣርእያትና እያ። እዛ ካልእ ስለዘየለ ናይ ኣብርሃም ድማ ከንብባ ዓቢ ትጽቢት ኣለኒ።
Sunday May 17, 2020
ጽቡቕ መደብ፡፡
Sunday May 17, 2020
Des zbl meglexi eyu kurub dmxi mekalh ygebr alo
Sunday May 17, 2020
እዚ መደብ ኣዝዩ ደስ ኢልኒ! መጽሓፍ "ተረፍ" (ደራሳ ኣኽድር ኣሕመድ) ኣበይ ክረኽባ ይኽእል?
Saturday May 16, 2020
To leave or reply to comments,
please download free Podbean App.